ብናይ ቀረባ ሰብካ ዝፍጸም ዓመጽ

ኣብ ሓደ እዋን ወይ ከኣ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ብሓደ ናይ ቀረባ ሰብኪ ንዓመጻ በጺሑኪ ይፈልጥዶ፧ ከምኡ እንተደኣ ዀይኑ፡ ብናይ ቀረባ ሰብካ ንዝፍጸም ዓመጽ ተቓሊዕኪ ኣለኺ ማለት እዩ።

  • ከም ዓሻ፡ ግናይ፡ ሃዝራጥ ወይ ጽልልቲ ዝኣመሰለ ጸርፊ ትጽረፎ እንተ ዄንኪ።
  • ንመግቢ፡ ክራይ ገዛ፡ ክዳውንቲ፡ መኽፈሊ ወጻኢታትካ ዝኸውን ገንዘብ ትኽልኢ እንተ ዄንኪ።
  • ምስ ስድራቤትን ፈተውትን ርክብ ከይህልወኪ ትዕገቲ እንተ ዄንኪ።
  • ካብቲ ዝምድና ክትወጺ እንተ ፈቲንኪ፡ ሓገዝ ክትረኽብ እንተ ጽዒርኪ ወይ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንኻልእ ሰብ እንተ ነጊርኪ ንዓኺ ወይ ንደቅኺ ከም ዝጐድእ ዘፈራርሃኪ እንተ ዀይኑ።
  • ውልቃዊ ንብረትኪ ዘዕኑ እንተ ዀይኑ።
  • ንእንስሳታት ገዛኺ ዝጎድእ ወይ ከም ዝጎድእ ዘፈራርህ እንተ ዀይኑ።
  • ዝሃርመኪ፡ ጡፍ ዝብለልኪ፡ ዝጉንጸኪ፡ ዝደፍኣኪ፡ ዝረግጸኪ፡ ዝሓንቀኪ ወይ ኣቕሑ ደርብዩ ክሃርመኪ ዝፍትን እንተ ዀይኑ።
  • ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ ዘገድደኪ እንተ ዀይኑ።
  • ካብ ሃገር ከም ዘስጕገኪ ዘፈራርሀኪ እንተ ዀይኑ።

እዚ ዝርዝር ነቲ ዘጋጥም ኵነታት ምሉእ ብምሉእ ዝገልጽ ስለ ዘይኰነ፡ ብኻልእ መገድታት እውን ዓመጽ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ብናይ ቀረባ ሰብካ ዚፍጸም ዓመጽ የጋጥመኪ ከም ዘሎ እንተ ተሰሚዑኪ ምሳና ተራኸቢ።

ዓመጽ ብብዙሕ መገድታት እዩ ዝፍጸም። ካብ ኣጸቢቕካ እትፈልጦ ወይ እትኣምኖ ሰብ ንዓመጽ ምስ እትቃላዕ፡ ብናይ ቀረባ ሰብካ ዝፍጸም ዓመጽ ኢልና ንጽውዖ።

ማእከል ቅልውላው ሱንሞር (ወሃብ ሓገዝ ንደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን) ነቶም ካብ መጻምድቶም፡ ካብ ስድራቤቶም ወይ ካልኦት ምስኦም ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎም ሰባት ዓመጻ ወይ ግፍዒ ንዝወርዶም ሰባት ሓገዝ ዝህብ ማእከል እዩ። እቲ ማእከል ንደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ተባዕትዮን ሕጻናትን ዕቝባን ምኽርን መምርሕን ይህብ።

ካባና ሓገዝ ንምርካብ ግድን ኣብ ህጹጽ ቅልውላው ክትህሉ ኣየድልን እዩ። ብዘይ ቈጸራ ወይ ሪፈራል ብቐጥታ ምስቲ ማእከል ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓገዝ ብናጻ እዩ።

እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ነዚ ዝስዕብ የጠቓልል፦

ንውሱን ግዜ ክትቅመጠሉ እትኽእል ውሑስ ቦታ።

ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ብተርጓሚ ኣቢልካ ዝርርብ ምግባር።

ምስ ካልኦት ወሃብቲ ሓገዝ ትካላት ርክብ ንምግባር ምሕጋዝ።

ብዛዕባ መሰላትን ዕድላትን ሓበሬታ ምሃብ።

እቲ ዝወሃብ መምርሒ ንሕጊ ዝምልከት መምርሒ የጠቓልል።

ክትትል

 

ኣብዚ ኸባቢና ዘይትቕመጢ እውን እንተ ዀንኪ፡ ካባና ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

 

ሰራሕተኛታትና ብዛዕባ ዓመጽን ግፍዕን ኣገዳሲ ትምህርትን ኣፍልጦን ኣለዎም። ሰራሕተኛታትና ምስጢር ናይ ምሕላው ግዴታ ኣለዎም። ስለዚ፡ ፍቓድ እንተ ዘይሂብካዮም ወይ ንህይወትን ጥዕናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዅነታት እንተ ዘየልዩ ብዛዕባኻ ሓበሬታ ንኻልኦት ከካፍሉ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ኣድላዪ እንተኾይኑ ተርጓሚ ነዳሉ ኢና።